1
ሉቃስ 5:4
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምኦን “ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቕርብ በል እሞ፥ ዓሳ ኽተስግሩ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ሉቃስ 5:5-6
ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ፥ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ፥ ብዙሓት ዓሳታት ሓዙ።
3
ሉቃስ 5:16
ንሱ ግና ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ይፅሊ ነበረ።
4
ሉቃስ 5:32
ንሓጥኣን ናብ ንስሃ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” ኢሉ መለሰሎም።
5
ሉቃስ 5:8
ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።
6
ሉቃስ 5:31
ኢየሱስ ከዓ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።
7
ሉቃስ 5:11
ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
8
ሉቃስ 5:12-13
ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምፂ ዝሓዞ ሰብ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ።
9
ሉቃስ 5:15
ዝናኡ ግና የመና ገኒኑ ተሰምዐ፤ ብዙሓት ህዝቢ እውን ክሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ክፍወሱን ናብኡ ተኣከቡ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo