1
ዮሃንስ 16:33
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ዮሃንስ 16:13
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
3
ዮሃንስ 16:24
ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
4
ዮሃንስ 16:7-8
እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።
5
ዮሃንስ 16:22-23
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን። በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
6
ዮሃንስ 16:20
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo