1
2ይ ቆሮንቶስ 4:18
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
2ይ ቆሮንቶስ 4:16-17
ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ። እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
3
2ይ ቆሮንቶስ 4:8-9
ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤ የሳጕጉና፤ ግና ኣይንድርበን፤ ተወቒዕና ንወድቕ፤ ግና ኣይንጠፍእን።
4
2ይ ቆሮንቶስ 4:7
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
5
2ይ ቆሮንቶስ 4:4
ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
6
2ይ ቆሮንቶስ 4:6
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo