1
ግብሪ ሃዋርያት 2:38
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።
Primerjaj
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:38
2
ግብሪ ሃዋርያት 2:42
ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:42
3
ግብሪ ሃዋርያት 2:4
ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:4
4
ግብሪ ሃዋርያት 2:2-4
ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ። ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ። ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:2-4
5
ግብሪ ሃዋርያት 2:46-47
በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤ ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:46-47
6
ግብሪ ሃዋርያት 2:17
‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:17
7
ግብሪ ሃዋርያት 2:44-45
እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ፥ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኵሉ ኸዓ ናይ ሓባር ነበረ፤ ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም፥ ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:44-45
8
ግብሪ ሃዋርያት 2:21
ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:21
9
ግብሪ ሃዋርያት 2:20
እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
Razišči ግብሪ ሃዋርያት 2:20
Domov
Sveto pismo
Bralni načrti
Videoposnetki