1
ማቴዎስ 5:15-16
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኸብርህ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ የንብርዎ እምበር፥ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣየንብርዎን። ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
Compară
Explorează ማቴዎስ 5:15-16
2
ማቴዎስ 5:14
“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ።
Explorează ማቴዎስ 5:14
3
ማቴዎስ 5:8
ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:8
4
ማቴዎስ 5:6
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:6
5
ማቴዎስ 5:44-45
ኣነ ግና ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
Explorează ማቴዎስ 5:44-45
6
ማቴዎስ 5:3
“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:3
7
ማቴዎስ 5:9
ገበርቲ ሰላም ብፁኣን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሄር ክበሃሉ እዮም እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:9
8
ማቴዎስ 5:4
ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:4
9
ማቴዎስ 5:10
ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:10
10
ማቴዎስ 5:7
ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:7
11
ማቴዎስ 5:11-12
“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም። ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም።”
Explorează ማቴዎስ 5:11-12
12
ማቴዎስ 5:5
የዋሃን ብፁኣን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ።
Explorează ማቴዎስ 5:5
13
ማቴዎስ 5:13
“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ፥ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርቢዩ፥ ብእግሪ ሰብ ክርገፅ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።
Explorează ማቴዎስ 5:13
14
ማቴዎስ 5:48
“እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ፍፁም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍፁማን ኩኑ።”
Explorează ማቴዎስ 5:48
15
ማቴዎስ 5:37
ነገርኩም ‘እወ፥ እወ’ ወይ ከዓ ‘ኣይኮነን፥ ኣይኮነን’ ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝሓለፈ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ እዩ።
Explorează ማቴዎስ 5:37
16
ማቴዎስ 5:38-39
“ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፥ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ኸም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።
Explorează ማቴዎስ 5:38-39
17
ማቴዎስ 5:29-30
የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱ፥ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።
Explorează ማቴዎስ 5:29-30
Acasă
Biblia
Planuri
Videoclipuri