1
ዘፀኣት 15:26
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣስዒቡ ድማ “ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕኻ፥ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝኾነ ኸዓ እንተ ገበርካ፥ ንትእዛዛቱውን ፅን እንተ በልካ፥ ኵሉ ሕግጋቱ ድማ እንተ ሓሊኻ፥ ኣነ እቲ ዘሕውየካ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ነቲ ናብ ግብፃውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ፤” በሎም።
Porównaj
Przeglądaj ዘፀኣት 15:26
2
ዘፀኣት 15:2
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዝማሬይን እዩ፤ ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ፤ ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝኾነ፥ ከኽብሮ እየ፤ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
Przeglądaj ዘፀኣት 15:2
3
ዘፀኣት 15:11
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
Przeglądaj ዘፀኣት 15:11
4
ዘፀኣት 15:13
ብሕያዋይነትካ ንዝተቤዘኻዮም ህዝቢ፥ መራሕኻዮም፤ ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ መሕደሪኻ መራሕኻዮም።
Przeglądaj ዘፀኣት 15:13
5
ዘፀኣት 15:23-25
ማራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ በፅሑ፤ ማይ ማራ መሪር ስለ ዝነበረ ኸዓ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ማራ ተብሃለ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሙሴ “እንታይ ክንሰቲ ኢና?” ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም።
Przeglądaj ዘፀኣት 15:23-25
Strona główna
Biblia
Plany
Nagrania wideo