1
ማርቆስ 10:45
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም።
Bandingkan
Selidiki ማርቆስ 10:45
2
ማርቆስ 10:27
ኢየሱስ ከዓ ናብኣቶም እናጠመተ፥ “እዙይ ብእግዚኣብሄር እምበር፥ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ እሞ” በሎም።
Selidiki ማርቆስ 10:27
3
ማርቆስ 10:52
ኢየሱስ ከዓ “ኪድ፥ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ፤ ኣብ መንገዲውን ተኸተሎ።
Selidiki ማርቆስ 10:52
4
ማርቆስ 10:9
እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።
Selidiki ማርቆስ 10:9
5
ማርቆስ 10:21
ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ፥ ኵሉ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይውን ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ መስቀልካ ኣልዒልካ ድማ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ።
Selidiki ማርቆስ 10:21
6
ማርቆስ 10:51
ኢየሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ፤ እቲ ዕዉር ከዓ “መምህር፥ ክርኢ” በሎ።
Selidiki ማርቆስ 10:51
7
ማርቆስ 10:43
ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን።
Selidiki ማርቆስ 10:43
8
ማርቆስ 10:15
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
Selidiki ማርቆስ 10:15
9
ማርቆስ 10:31
ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም።”
Selidiki ማርቆስ 10:31
10
ማርቆስ 10:6-8
ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ እግዚኣብሄር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ። ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ እምበኣር ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።
Selidiki ማርቆስ 10:6-8
Halaman Utama
Alkitab
Pelan
Video