1
ዮሃንስ 6:35
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
Salīdzināt
Izpēti ዮሃንስ 6:35
2
ዮሃንስ 6:63
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
Izpēti ዮሃንስ 6:63
3
ዮሃንስ 6:27
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 6:27
4
ዮሃንስ 6:40
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
Izpēti ዮሃንስ 6:40
5
ዮሃንስ 6:29
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 6:29
6
ዮሃንስ 6:37
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
Izpēti ዮሃንስ 6:37
7
ዮሃንስ 6:68
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
Izpēti ዮሃንስ 6:68
8
ዮሃንስ 6:51
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
Izpēti ዮሃንስ 6:51
9
ዮሃንስ 6:44
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
Izpēti ዮሃንስ 6:44
10
ዮሃንስ 6:33
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 6:33
11
ዮሃንስ 6:48
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።
Izpēti ዮሃንስ 6:48
12
ዮሃንስ 6:11-12
ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 6:11-12
13
ዮሃንስ 6:19-20
ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 6:19-20
Mājas
Bībele
Plāni
Video