1
ዮሃንስ 16:33
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
Salīdzināt
Izpēti ዮሃንስ 16:33
2
ዮሃንስ 16:13
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
Izpēti ዮሃንስ 16:13
3
ዮሃንስ 16:24
ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
Izpēti ዮሃንስ 16:24
4
ዮሃንስ 16:7-8
እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።
Izpēti ዮሃንስ 16:7-8
5
ዮሃንስ 16:22-23
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን። በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
Izpēti ዮሃንስ 16:22-23
6
ዮሃንስ 16:20
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።
Izpēti ዮሃንስ 16:20
Mājas
Bībele
Plāni
Video