1
ዮሃንስ 11:25-26
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ፤ እዙይዶ ተኣምኒ ኢኺ?” በላ።
Salīdzināt
Izpēti ዮሃንስ 11:25-26
2
ዮሃንስ 11:40
ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ።
Izpēti ዮሃንስ 11:40
3
ዮሃንስ 11:35
ኢየሱስ ድማ ነብዐ።
Izpēti ዮሃንስ 11:35
4
ዮሃንስ 11:4
ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ “እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ።
Izpēti ዮሃንስ 11:4
5
ዮሃንስ 11:43-44
እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር፥ ነዓ ናብ ደገ ውፃእ!” በለ። እቲ ምዉት ብግኑዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፥ ገፁውን ብዓለባ ተሸፊኑ እንተሎ ወፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 11:43-44
6
ዮሃንስ 11:38
ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ሓዚኑ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ፥ ብእምኒ ዝተዓፀወ በዓቲ ነበረ።
Izpēti ዮሃንስ 11:38
7
ዮሃንስ 11:11
እዙይ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፤ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተስኦ ክኸይድ እየ” በሎም።
Izpēti ዮሃንስ 11:11
Mājas
Bībele
Plāni
Video