1
ዘፀኣት 7:1
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።
Confronta
Esplora ዘፀኣት 7:1
2
ዘፀኣት 7:3-4
ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ። ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ።
Esplora ዘፀኣት 7:3-4
3
ዘፀኣት 7:5
ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
Esplora ዘፀኣት 7:5
4
ዘፀኣት 7:11-12
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን።
Esplora ዘፀኣት 7:11-12
5
ዘፀኣት 7:17
እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።
Esplora ዘፀኣት 7:17
6
ዘፀኣት 7:9-10
“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።” ሙሴን ኣሮንን ከዓ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን በትሩ ደርበየ፤ ተመንውን ኮነት።
Esplora ዘፀኣት 7:9-10
Home
Bibbia
Piani
Video