1
ዘፀኣት 23:25-26
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ፤ ኣነ ኸዓ እንጀራኹምን ማይኩምን ክባርኸልኩም እየ። ሕማም ከዓ ኻብ ማእኸልኩም ከርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ ጥንሲ ዝወርዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን እያ። ቍፅሪ ዘመንካ ኸብዝሖ እየ።
Confronta
Esplora ዘፀኣት 23:25-26
2
ዘፀኣት 23:20
“ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፥ እንሆ፥ ኣነ ቐቅድሜኻ መልኣኽ እልእኽ ኣለኹ።
Esplora ዘፀኣት 23:20
3
ዘፀኣት 23:22
ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ።
Esplora ዘፀኣት 23:22
4
ዘፀኣት 23:2-3
“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ። ነቶም ብዙሓት ወጊንካ ፍርዲ ንምቕይናን ኣይትመስክር። ብፍርዲ ነገርውን ነቲ ድኻ ኣይተዳሉ።
Esplora ዘፀኣት 23:2-3
5
ዘፀኣት 23:1
“ወረ ሓሰት ኣይትቀበል። ሓሲኻ ንኽትምስክርውን ምስ ዓማፂ ኢድካ ኣይተልዕል።
Esplora ዘፀኣት 23:1
Home
Bibbia
Piani
Video