1
1ይ ቆሮንቶስ 15:58
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
Confronta
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:58
2
1ይ ቆሮንቶስ 15:57
ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:57
3
1ይ ቆሮንቶስ 15:33
ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:33
4
1ይ ቆሮንቶስ 15:10
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:10
5
1ይ ቆሮንቶስ 15:55-56
“ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ? ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?” ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:55-56
6
1ይ ቆሮንቶስ 15:51-52-51-52
እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:51-52-51-52
7
1ይ ቆሮንቶስ 15:21-22
ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመፀ፥ ከምኡ ኸዓ ትንሳኤ ሙታን፥ ብሓደ ሰብ እዩ ዝመፀ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:21-22
8
1ይ ቆሮንቶስ 15:53
እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:53
9
1ይ ቆሮንቶስ 15:25-26
ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ። እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ።
Esplora 1ይ ቆሮንቶስ 15:25-26
Home
Bibbia
Piani
Video