1
ዳንኤል 3:16-18
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ከዓ ነቲ ንጉስ “ኦ ናቡከደነፆር፥ በዝ ነገር እዙይ መልሲ ኽንህበካ ኣድላዪ ኣይኮነን። ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ። ንሱ ኸድሕነና እንተ ዘይደለየውን፥ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾምን፥ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ድማ ኸም ዘይንሰግደሉን ፍለጥ” በልዎ።
Összehasonlít
Fedezd fel: ዳንኤል 3:16-18
2
ዳንኤል 3:25
ንሱ ኸዓ “እንሆ፥ ኣነ እተፈትሑ ሰባት፥ ጕድኣት እንተይበፅሖም፥ ኣብ ማእኸል እቲ ሓዊ እናተመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣማልኽቲ ይመስል” በሎም።
Fedezd fel: ዳንኤል 3:25
3
ዳንኤል 3:28
ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”
Fedezd fel: ዳንኤል 3:28
4
ዳንኤል 3:29
“ሕዚ ኸዓ ኸምኡ ገይሩ ኸናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለን እሞ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን፥ ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ክፉእ ቃል ዝናገር፥ ንሱ ኽቈራረፅ፥ ቤቱ ኸዓ መደርበዪ ጐሓፍ ክኸውን ኣዚዘ ኣለኹ” በለ።
Fedezd fel: ዳንኤል 3:29
Kezdőoldal
Biblia
Olvasótervek
Videók