1
ማርቆስ 12:29-31
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’ እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
Konpare
Eksplore ማርቆስ 12:29-31
2
ማርቆስ 12:43-44
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀዊዑ “ካብዞም ናብዝ ሙዳየ ምፅዋት ዘእተዉ ዅሎም፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዝበዝሕ ከም ዘእተወት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም።
Eksplore ማርቆስ 12:43-44
3
ማርቆስ 12:41-42
ኢየሱስ ኣብ መንፅር ሙዳየ ምፅዋት፥ ተቐሚጡ፥ እቶም ሰባት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት ከዓ ብዙሕ የእትዉ ነበሩ። ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ፥ መፂኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት።
Eksplore ማርቆስ 12:41-42
4
ማርቆስ 12:33
‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ።
Eksplore ማርቆስ 12:33
5
ማርቆስ 12:17
ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።
Eksplore ማርቆስ 12:17
Akèy
Bib
Plan yo
Videyo