1
1ይ ቆሮንቶስ 11:25-26
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።
Konpare
Eksplore 1ይ ቆሮንቶስ 11:25-26
2
1ይ ቆሮንቶስ 11:23-24
እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ። ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
Eksplore 1ይ ቆሮንቶስ 11:23-24
3
1ይ ቆሮንቶስ 11:28-29
እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር። እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ።
Eksplore 1ይ ቆሮንቶስ 11:28-29
4
1ይ ቆሮንቶስ 11:27
ስለዙይ እንተይተገብኦ፥ ሕብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ፅዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፥ ንናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝብድል።
Eksplore 1ይ ቆሮንቶስ 11:27
5
1ይ ቆሮንቶስ 11:1
ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።
Eksplore 1ይ ቆሮንቶስ 11:1
Akèy
Bib
Plan yo
Videyo