Logo de YouVersion
Icono de búsqueda

ዘካርያስ 4

4
ዘካርያስ ብምስሊ ቀዋሚ ቐንዲል ዝረአዮ ራእይ
1እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ። 2“ንሱ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ድማ በለኒ።
ኣነ ኸዓ “እንሆ ዅለንትናኡ ወርቂ ዝኾነ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊ ርእሱ፥ እንዳ ዘይትን ሸውዓተ መብራህትን ነበሮ። እተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከዓ ሸውዓተ ሸምበቆታት ነበረን። 3#ራእይ 11፡4። ኣብ ጥቓአን ድማ ኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ነበራ፤ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፥ እታ ሓንቲውን ኣብ ፀጋሙ ነበራ” በልኩ። 4መሊሰ፥ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “ጐይታይ፥ እዚኣተን እንታይ እየን?” በልክዎ።
5ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ። 6#ራእይ 11፡4። መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 7ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ።
8ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦ 9“ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም። 10ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።”
11 # እዝራ 5፡2። ብድሕሪኡ ነቲ መልኣኽ “እዞም ብየማነ ፀጋም እዝ ቐዋሚ ቐንዲል ዘለዉ፥ ክልተ ኣእዋም ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ። 12ደጊመውን “እቶም ኣብ ጥቓ እቶም ክልተ ሻምበቆታት ወርቂ፥ ዘይቲ ዘውሕዙ ኽልተ ጨናፍር ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።
13ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ። #4፡13 4፡5፥ 4፡10-14፦ ካብ ቁፅርታት 10-14 ካብ መወዳእታ ምዕራፍ ግዒዙ ኣብዙይ ተፃሒፉ ኣሎ፤ እዝ ዝተገብረ እቱይ ባህርያዊ ምክትታል ናይቲ ታሪኽ ምእንቲ ኽሕሎ ተባሂሉ እዩ።
14ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ።

Actualmente seleccionado:

ዘካርያስ 4: ትመ15

Destacar

Compartir

Copiar

None

¿Quieres tener guardados todos tus destacados en todos tus dispositivos? Regístrate o inicia sesión