ዘፀኣት 17:6-7
ዘፀኣት 17:6-7 ትመ15
እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኢሉ ሰመያ።



