ሶፎንያስ 1
1
መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር
1 #
2 ነገ. 22፡1—23፡30፥ 2 ዜና. 34፡1—35፡27። እቲ ብዘመን ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ፥ ናብ ሶፎንያስ ወዲ ኩሺ፥ ወዲ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ንጉስ ሕዝቅያስ፥ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
2“ኣነ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከጥፍኦ እየ” ይብል እግዚኣብሄር። 3“ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
4“ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ ካብዝ ቦታ እዙይ፥ ንተረፍ ጣዖት በዓል፥ ንስም እቶም ካህናት ጣዖታት፥ ምስቶም ካህናት ከጥፍኦም እየ። 5ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም፥ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱ ኸጥፍኦም እየ። ነቶም ንእግዚኣብሄር እናሰገዱን፥ ብስመይ እናመሓሉን፥ ተመሊሶም ከዓ ብስም ጣዖት ሚልኮም ንዝምሕሉ ኸጥፍኦም እየ። 6ነቶም ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ዝሓድጉን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይደልዩን ዘይጥይቑን ከጥፍኦም እየ።”
7መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያሞ፤ እግዚኣብሄርውን መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ፥ ነቶም ዕዱማቱ ኸዓ ቀዲስዎም እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ እግዚኣብሄር ስቕ በሉ። 8“በታ መዓልቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ንዅሎም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዝኽደኑን ክቐፅዖም እየ። 9በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።
10“በታ መዓልቲ እቲኣ ይብል እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ብወገን ኣፍ ደገ ዓሳ፥ ድምፂ ብኽያት ክስማዕ እዩ። ካብቲ ኻልኣይ ደገ ኸዓ ኣውያት ክስማዕ እዩ፤ ካብቲ እምባታት ድማ ድዋዕዋዕ እናበለ ናይ ዝወድቕ ነገር ድምፂ ኽስማዕ እዩ። 11ኵሉ ህዝቢ ከነዓን ጠፊኡ፥ እቶም ብሩር ዝተሸከሙ ጠፊኦም እዮም እሞ፥ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ ብኸዩ።
12“በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ። 13ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”
14እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፤ የመናውን ቀልጢፋ ኣላ። ድምፂ እታ መዓልቲ እቲኣ መራር እያ፤ ሽዑ ጅግና እኳ ኣምሪሩ ኸእዊ እዩ። 15እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ። 16ንተን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ነዋሕቲ ግምብታትን፥ መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።
17“ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ሰሪሖም እዮምሞ፥ ከም ዕውር ክሳዕ ዝኸዱ ንሰባት ከጨንቖም እየ፤ ደሞም ከም ማይ ክፈስስ፥ ስጋኦም ከዓ ኸም ጐሓፍ ክጐሓፍ እዩ።”
18ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።
Currently Selected:
ሶፎንያስ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in