YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 4

4
ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝፆመን ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነን
(ማር. 1፡12-13ሉቃ. 4፡1-13)
1 # ዕብ. 2፡18። ብድሕሪዙይ ድማ መንፈስ [ቅዱስ] ንኢየሱስ፥ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ። 2ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ። 3እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።
4 # ዘዳ. 8፡3። ኢየሱስ ግና “ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
5ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።
6 # መዝ. 91፡11-12። “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥
‘እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፥ #4፡6 ኣብ ግእዝ “ኣብ ኵሉ መንገድኻ ኽሕልዉኻ” ዝብል ይርከብ።
በእዳዎም ክፆሩኻ፥ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም’
ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ።
7 # ዘዳ. 6፡16። ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ” በሎ።
8መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥ 9“ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ።
10 # ማቴ. 16፡23፥ ዘዳ. 6፡4፥5። ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።
11 # ሉቃ. 22፡43። ድሕሪዙይ ዲያብሎስ ሓደጎ፤ እንሆ ድማ መላእኽቲ መፂኦም ኣገልገልዎ።
ኢየሱስ ኣብ ገሊላ ኽምህር ከም ዝጀመረ
(ማር. 1፡14-15ሉቃ. 4፡14-15)
12 # ማቴ. 14፡3። ኢየሱስ፥ ዮሃንስ ከም ዝተኣሰረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ኣውራጃ ገሊላ ኣግለሰ። 13#ማር. 2፡21፥ 2፡1። ንናዝሬት ሓዲጉ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም ከይዱ ተቐመጠ። 14እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፦
15 # ኢሳ. 8፡22—9፡1። “ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፥
መንገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥
ኣህዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ፥
16ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝቢ፥
ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤
ነቶም ኣብ ፀልማትን፥
ኣብ ፅላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ፥
ብርሃን ወፀሎም” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
17 # ማቴ. 3፡1፥2። ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።
ኣስገርቲ ዓሳ
(ማር. 1፡16-20ሉቃ. 5፡1-11)
18 # ዮሓ. 1፡35-42፥ ኣሞፅ 7፡14። ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ፥ ክልተ ኣሕዋት፥ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን፥ ኣስገርቲ ዓሳ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እንትድርብዩ ረአየ። 19ኢየሱስ ከዓ “ንዑ ተኸተሉኒ፤ ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ” በሎም። 20#ማር. 10፡28። ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ።
21 # ማቴ. 10፡2። ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሉ፥ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፥ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኣቶም፥ ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ሪኡ ፀውዖም። 22#ማቴ. 10፡37። ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም፥ ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።
ኢየሱስ ከም ዝመሃረን ሕሙማት ከም ዘሕወየን
(ሉቃ. 6፡17-19)
23 # ማቴ. 9፡35፥ ማር. 1፡21፥39፥ ሉቃ. 4፡44፥ 7፡22። ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎት እናመሃረ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸ፥ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ። 24#ማር. 1፡28። ዝናኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ተሰምዐ፤ ኵሎም ሕሙማት፥ በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም፥ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም፥ በብወርሑ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25#ማር. 3፡7፥8፥ ሉቃ. 6፡17። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ኸተማታትን #4፡25 ዓሰርተ ኸተማታት፦ ብግሪክ “ዴካፖሊስ” ይበሃል። ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከዓ ብዙሓት ህዝቢ ተኸተልዎ።

Currently Selected:

ማቴዎስ 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy