YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 1

1
መፅሓፍ ትውልዲ ኢየሱስ ክርስቶስ
(ሉቃ. 3፡23-38)
1 # ማቴ. 9፡27፥ 12፡23፥ 15፡22፥ 20፡30፥ 21፡9፥15፥ 22፡42፥45፥ ዮሓ. 7፡42፥ ሮሜ 13፥ 2 ጢሞ. 2፡8፥ ራእይ 5፡5፥ 22፡16፥ ኢሳ. 11፡1፥ 2 ሳሙ. 7፡12፥13፥ ዘፍ. 22፡18፥ ገላ. 3፡16። ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦ 2ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥ 3ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥ 4ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥ 5ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥ 6እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ።
ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥ 7ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፥ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥ 8ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያን ወለደ፥ 9ዖዝያን ንኢዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥ 10ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞፅ ወለደ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ፥ 11ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነሕዋቱን ወለደ።
12ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ፥ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ፥ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ፥ 13ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥ 14ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥ 15ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያእቆብ ወለደ፥ 16ያእቆብ ድማ ክርስቶስ #1፡16 ክርስቶስ፦ “መሲሕ” ማለት እዩ። ንዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕፁይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ።
17እምበኣር ኵሉ ትውልዲ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ። #1፡17 ኣብ ግእዝ “ኵሉ ትውልዲ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ክርስቶስ ኣርብዓን ክልተን እዩ” ዝብል ይርከብ።
ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ
(ሉቃ. 2፡1-7)
18ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓፅያ እንተላ፥ እንተይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኸበት። 19ሕፁያ ዮሴፍ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ክገልፃ ኣይደለየን። 20እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ #1፡20 ወዲ ዳዊት፦ “ዘርኢ ዳዊት” ማለት እዩ። እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ። 21#ሉቃ. 2፡21፥ ዮሓ. 1፡29፥ ግ.ሓ. 4፡12፥ 13፡23፥ 1፡23፥ ኢሳ. 7፡14። ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
22-23እዝ ዅሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክበሃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
24ዮሴፍ ድማ ኻብ ድቃሱ ተሲኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕፅይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤ 25[በዅሪ] ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።

Currently Selected:

ማቴዎስ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy