ኣሞፅ 5
5
ኦ ህዝቢ እስራኤል ተነስሁ
1ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ ኣብ ልዕሌኹም
ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦
2እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ እያ፤
ደጊምውን ኣይትትስእን እያ፤
ኣብ ገዛ ምድራ ተደርቢያ ኣላ፤
ዘተስኣ ድማ የለን።
3“ካብታ ሽሕ ዝወፀላ ኸተማ፥ ሚእቲ ይተርፍዋ፤ ካብታ ሚእቲ ዝወፁላ ኸተማ ኸዓ ንቤት እስራኤል፥ ዓሰርተ ጥራሕ ይተርፍዋ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
4እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ “ንኣይ ድለዩሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። 5ግና ጌልገላ ፈፂማ ኽትማረኽ እያ፤ ቤቴልውን ከንቱ ኽትከውን እያሞ፥ ንቤቴል ኣይትድለዩ፤ ናብ ጌልገላ ድማ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤርሳቤህውን ኣይትሕለፉ።” 6ኣብ ቤት ዮሴፍ ሓዊ ኸይትነድድ፥ ኣብ ቤቴል ዘጥፍኣ ዘይብላ ኸይትቃፀል፥ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ብህይወት ድማ ኽትነብሩ ኢኹም። 7ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፥ ንፅድቂ ኸዓ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፥ ወይለኹም!
8 #
ኢዮብ 9፡9፥ 38፡31። ንሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ኦሪዮን ንዝተብሃለ ኾከብን ዝፈጠረ፥
ግብ ዝበለ ፀልማት ናብ ወጋሕታ ንዝልውጥ፥
ንመዓልቲ ኸዓ ግብ ዝበለ ለይቲ ዝገበሮ፥
ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ፥
ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
9ንሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓያል፥ ብድንገት ጥፍኣት የውርደሉ፤
ኣብ ልዕሊ ዕርዲ፥ ጥፍኣት የምፅእ እዩሞ ድለይዎ።
10ንሳቶም ነቲ ኣብ በሪ ኣደባባይ ዝግስፆም ይፀልእዎ፤ ነቲ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ ይፅየፍዎ። 11ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም። 12ኣነስ በደልኩም ብዙሕ፥ ሓጢኣትኩም ከዓ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ፃድቕ ተጨንቕዎ፤ ጉቦውን ትቕበሉ፤ ነቲ ምስኪን ኣብ ደገ ኣደባባይ ትገፍዕዎ ኣለኹም። 13ስለዙይ፥ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፥ እቲ ለባም በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ዘመን ስቕ ይብል።
14ብህይወት ንኽትነብሩ፥ ሰናይ እምበር ክፉእ ኣይትድለዩ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም ዝተናገርኩምዎ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። 15ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ነዝ ተሪፉ ዘሎ ቤት ዮሴፍ እንተ ራህርሀሉስ ክፉእ ፅልኡ፤ ሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ በሪ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ።
16ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም። 17ብማእኸልኩም ክሓልፍ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ እንዳ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ወዮ! ተብሂሉ ኽብከ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
18ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ። 19ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ። 20መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን? ግብ ዝበለ ፀልማትን ምንፅብራቕ ብርሃን ዘይብላንዶኸ ኣይኮነትን?
21“ነቲ ዓመት በዓላትኩም ፀሊአዮ፥ ተፀይፈዮውን፤ እቲ ኣኼባኹምውን ደስ ኣየብለንን። 22ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ። 23ድምፂ ዝማሬኹም ካባይ ኣርሕቑ፤ ንቓና በገናኹምውን ኣይሰምዖን እየ። 24ፍርዲ ኸም ማያት፥ ፅድቂ ኸዓ ኸም ዘይነፅፍ ሩባ ይፍሰስ።
25“ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መስዋእትን ቍርባንንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም? 26ንባዕልትኹም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን መሎኽን፥ ምስሊ ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም ዘልዓልኩም። 27ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ኣሞፅ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: