1
ሚክያስ 4:5
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣማልኽቶም ክመላለሱ እዮም፤ ንሕናውን ብስም ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ክንመላለስ ኢና።
Compare
Explore ሚክያስ 4:5
2
ሚክያስ 4:2
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።
Explore ሚክያስ 4:2
3
ሚክያስ 4:1
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።
Explore ሚክያስ 4:1
4
ሚክያስ 4:3
ንሱ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዘለዉ ብርቱዓት ኣህዛብውን ክብይን እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ንማሕረሻ፥ ኲናውቶም ድማ ንማዕፂድ ክገብርዎ እዮም፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዂናት ኣየልዕልን፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
Explore ሚክያስ 4:3
Home
Bible
Plans
Videos