1
1ይ ቆሮንቶስ 15:58
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
قارن
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:58
2
1ይ ቆሮንቶስ 15:57
ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:57
3
1ይ ቆሮንቶስ 15:33
ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:33
4
1ይ ቆሮንቶስ 15:10
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:10
5
1ይ ቆሮንቶስ 15:55-56
“ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ? ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?” ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:55-56
6
1ይ ቆሮንቶስ 15:51-52-51-52
እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:51-52-51-52
7
1ይ ቆሮንቶስ 15:21-22
ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመፀ፥ ከምኡ ኸዓ ትንሳኤ ሙታን፥ ብሓደ ሰብ እዩ ዝመፀ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:21-22
8
1ይ ቆሮንቶስ 15:53
እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:53
9
1ይ ቆሮንቶስ 15:25-26
ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ። እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ።
اكتشف 1ይ ቆሮንቶስ 15:25-26
الصفحة الرئيسية
الكتاب المقدس
خطط
فيديوهات