1
ማቴዎስ 10:16
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
አወዳድር
{{ጥቅስ}} ያስሱ
2
ማቴዎስ 10:39
ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ።
3
ማቴዎስ 10:28
ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።
4
ማቴዎስ 10:38
እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።
5
ማቴዎስ 10:32-33
“ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።
6
ማቴዎስ 10:8
ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተስኡ፤ ለምፃማት ኣንፅሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብዘይ ዋጋ ዝተቐበልኩምዎ ብዘይ ዋጋ ሃቡ።
7
ማቴዎስ 10:31
እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።
8
ማቴዎስ 10:34
“ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም፤ ሰይፊ እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመፃእኹን።
ቤት
መጽሐፍ ቅዱስ
እቅዶች
ቪዲዮዎች