YouVersion 標識
搜索圖示

ዘሑልቍ 10

10
መለኸት ብሩር
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2“ብሩር ቀጥቂጥካ ኽልተ መለኸት ንኣኻ ስራሕ። ነቲ ማሕበር ንምፅዋዕ፥ ካብ ሰፈሮም ንምጕዓዝ ይኹነልካ። 3ክልቲኡ መለኸት እንትንፋሕ፥ ኵሉ ማሕበር እስራኤል ናባኻ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይተኣከቡ። 4ሓደ መለኸት ጥራሕ እንትንፋሕ ግና እቶም ሹመኛታት፥ ኣሕሉቕ ዓሌት ደቂ እስራኤል ናባኻ ይተኣከቡ። 5መለኸት ብዓብዪ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ድማ ብወገን ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይለዓሉ። 6ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ። 7እዝ ህዝቢ ምእንቲ ኽእከብ መለኸት ንፍሑ፤ ግና ዓው ኣይተብልዎ።
8“እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም። 9ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም። 10ከምኡውን ብመዓልቲ ሓጐስኩም፥ ብምዱብ በዓላትኩምን በቲ ኣብ ሰርቀ ወርሒ ዝብዕል በዓላትኩምን፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ምስጋናኩምን ክተቕርቡ እንተለኹም መለኸት ንፍሑ፤ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም መዘከርታ ክኾኑኹም እዮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።”
እስራኤላውያን ካብ ሲና ኸም ዝተልዓሉ
11ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸምዙይ ኮነ፥ እቲ ደመና ኻብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳን ተልዓለ። 12ሽዑ ደቂ እስራኤል ካብ ምድረ በዳ ሲና ተልዓሉ፤ እቲ ደመናውን ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ቆመ። 13ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤
14እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ዝነበሩ ሰራዊት በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ንቕድሚት ተጕዓዙ፤ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። 15ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ይሳኮር ከዓ ናትናኤል ወዲ ሶገር ነበረ። 16ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን ነበረ። 17ነቲ ድንኳን ነቐልዎ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ድማ ነቲ ድንኳን ፆይሮም ተጕዓዙ።
18እቶም ኣብ ሰፈር ደቂ ሮቤል ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ብድሕሪኦም ተጕዓዙ፤ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር ነበረ። 19ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከዓ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሰዳይ ነበረ። 20ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤሊሳፍ ወዲ ራጉኤል ነበረ። 21ቀዓታውያን ድማ ኣቑሑ መቕደስ ፆይሮም ተጕዓዙ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝመፁ ኸዓ እቲኣቶም ነቲ ድንኳን ተኸልዎ።
22እቶም ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ በብኽፍሎም ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ከዓ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ። 23ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር ነበረ። 24ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከዓ ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን ነበረ።
25እቶም ኣብ ሰፈር ነገድ ደቂ ዳን ዝነበሩ ሰራዊት ከዓ ሰንደቕ ዕላማኦም ሒዞም በብኽፍሎም፥ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኮይኖም ተጕዓዙ። ሓለቓ ሰራዊት ድማ ኣኪዔዘር ወዲ ኣሚሳዳይ ነበረ። 26ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ፋግኤል ወዲ ኤክራን ነበረ። 27ሓለቓ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከዓ ኣኪሬ ወዲ ዔናን ነበረ። 28ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ክጕዓዙ እንተለዉ በዝ ኸምዙይ ተጕዓዙ።
29ሙሴ ኸዓ ንሓው ሰበይቱ፥ ንሖባብ ወዲ ዮቶር ምድያማዊ “ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዘተስፈወና ምድሪ ንኸይድ ኣለና። እግዚኣብሄር ንኣና ንእስራኤላውያን ፅቡቕ ኣተስፍዩና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና እሞ ምሳና ኺድ” በሎ።
30ንሱ ድማ፥ “ኣይከይድን፤ ናብ ሃገረይን ናብ ህዝበይን ክኸይድ እየ” በሎ።
31ሙሴ ኸዓ “በይዛኻ ኣይትሕደገና፤ ኣብ ምድረ በዳ ኣበይ ከም እንሰፍር ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፥ ዓይኒውን ክትኮነልና ኢኻሞ ኣይትሕደገና፤ 32ምሳና እንተ ኼድካ፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝገብረልና ዅሉ ሰናይ ነገር ንኣኻ ኽንገብረልካ ኢና” በሎ።
33ካብ እምባ እግዚኣብሄር ተልዒሎም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጕዓዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ንሳቶም ዝዓርፉላ ቦታ ኽደልየሎም በተን ሰለስተ መዓልቲ እቲኣተን ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። 34ደመና እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ሰፈር ካብ ዝነቐሉሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።
35ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ። #መዝ. 68፡1። 36እቲ ታቦት ክዓርፍ እንተሎ ኸዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ናብቶም እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ እስራኤል ተመለስ” ይብል ነበረ።

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入