YouVersion 標識
搜索圖示

ኢዩኤል መእተዊ

መእተዊ
ነቢይ ኢዩኤል መኣዝ ከም ዝነበረን፥ ከምኡውን ብዛዕባ ህይወቱን ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ዝኾነ ኾይኑ፥ እዝ መፅሓፍ እዙይ ብሓምሻይ ወይ ራብዓይ ዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ከም ዝተፅሓፈ ይግመት። ሽዑ ዘመን መንግስቲ ፋርስ ነበረ። ኢዩኤል ብዛዕባ እቲ ናብ ምድሪ እስራኤል ክመፅእ ዘለዎ ጥፍኣት ማለት ኣንበጣን ምድሪ ዘንቅፅ ድርቅን ይዛረብ። ኢዩኤል ኣብዝ ዅነታት እዙይ፥ ምልክት ምምፃእ መዓልቲ እግዚኣብሄርን፥ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ቅዱስ ፍቓዱ ዘይፍፅሙ፥ ዝቐፅዐሉ እዋን ከም ዝበፅሐን የርኢ።
ነቢይ ኢዩኤል ህዝቢ ኽንስሑ ይዕድም፤ እንተ ተነስሁ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ተስፋ፥ ናብ ናብራ ቐደሞም ከም ዝምለሱን፥ በረኸቱ ኸዓ ኸም ዘወርደሎምን፥ እግዚኣብሄር ብቓሉ ዘተስፈዎ ምዃኑ ይነግር። ኣብ ትንቢቱ ግሉፅ ኮይኑ ዝረአ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ተስፋ እዩ፤ ንሱውን “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ መንእሰይ ኮነ ሽማግለ መንፈሱ ኸውርድ እዩ” ዝብል እዩ።
ትሕዝቶ
1. መዓት ኣንበጣ 1፡1-2፡17
2. ተስፋ ሕዳሰ 2፡18-27
3. መዓልቲ እግዚኣብሄር 2፡28-3፡21

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入