YouVersion 標識
搜索圖示

ሆሴዕ 3

3
ሆሴዕን ኣመንዝራ ሰበይትን
1እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “መሊስካ ኺድ እሞ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን፥ ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከም ዘፍቅሮም፥ ንስኻውን ንሓንቲ ብኻልእ ሰብኣይ ዝተፈትወት ሰበይቲ ፍቶ” በለኒ።
2ኣነ ኸዓ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ቕርሺ ብሩርን፥ ብዅንታልን ፈረቓን ስገም ዓደግክዋ። 3“ብዙሕ መዓልቲታት ምሳይ ተቐመጢ፤ ኣይተመንዝሪ፤ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፤ ኣነውን ከምኡ ክኾነልኪ እየ” በልክዋ። 4ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም። 5ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።

目前選定:

ሆሴዕ 3: ትመ15

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入