ዘፀኣት 31:2-5
ዘፀኣት 31:2-5 ትመ15
“እንሆ፥ ኣነ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ባስልኤል፥ ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሆር፥ ሓርየዮ ኣለኹ። ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ክኽእል ብመንፈሰይ መሊአዮ ኣለኹ። ኵሉ ዓይነት ስራሕ ዘኽእሎ ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ሂበዮ ኣለኹ። ንሱ ኸዓ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ገይሩ ስራሕ ጥበብ ዝሰርሕን፥ ክቡር እምኒ ቐሪፁ ዝስኵዕን፥ ዕንፀይቲ ዝፀርብን፥ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ጥበብ ዝገብርን ክኸውን እዩ።