ዘፀኣት 3:7-8
ዘፀኣት 3:7-8 ትመ15
እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ። ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።