YouVersion 標識
搜索圖示

ዳንኤል መእተዊ

መእተዊ
ትንቢተ ዳንኤል፥ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣረማዊ ንጉስ፥ ክጭቈኑን ክሳቐዩን እንተለዉ ዝተፅሓፈ እዩ። እቲ ፀሓፊ ነቲ ብራእይ ዝረኸቦ እናነገረ፥ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ የፀናንዖም። ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ነቲ ዝገፍዖም ዝነበረ ንጉስ፥ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱ፥ ነቶም ህዝቢ ሓራ ኸም ዘውፅኦም ተስፋ ይህቦም። እዝ መፅሓፍ እዙይ ኣብ ክልተ ይኽፈል፦
1. ዳንኤልን እቶም ኣብ ስደት ምስኡ ዝነበሩ ብፆቱን፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኹን ዝእዘዙን ስለ ዝነበሩ፥ እንትዕወቱ ንሪኦም። እዝ ታሪክ እዙይ ብዘመን መንግስታት ባቢሎንን ፋርስን ዝተፈፀመ እዩ።
2. ብዛዕባ እቲ ንዳንኤል ዝተውሃበ ራእያት፥ ኣብዝ ራእያት እዙይ ብመንግስቲ ባቢሎን ጀሚሮም፥ ብዙሓት መንግስታት ከም ዝትስኡን፥ ከም ዝወድቁን ይገልፅ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ኣረማዊ ንጉስ ከም ዝወድቕ፥ ህዝቢ እግዚኣብሄር ከዓ ኸም ዝዕወት ይንበ።
ትሕዝቶ
1. ዳንኤልን ብፆቱን 1፡1-6፡28
2. ራእይ ዳንኤል 7፡1-12፡13
1) ኣርባዕተ ኣራዊት 7፡1-28
2) ማጕላን ዲበላን 8፡1-9፡27
3) ሰማያዊ ልኡኽ 10፡1-11፡45
4) ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም 12፡1-13

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入