YouVersion 標識
搜索圖示

ግብሪ ሃዋርያት 24

24
ጳውሎስ ብኣይሁድ ከም ዝተኸሰሰ
1ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሽማግለታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳኢ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ። 2ጳውሎስ ምስ ተፀውዐ ድማ፥ ጠርጠሉስ ከምዙይ እናበለ ክኸሶ ጀመረ፦
“ኦ ኽቡር ፊልክስ! ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ ሳላ ብልሓትካ ድማ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብዙሕ ምምሕያሽ ኮይኑሉ ኣሎ። 3ነዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኵልሻዕ ኣብ ኵሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና፥ ነመስግነካ ኣለና። 4እንተ ኾነ ምእንቲ ኸየንውሐልካ፥ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ፥ ተዓጊስካ ብቕንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ። 5እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና። 6ቤተ መቕደስ ከርክስ ምስ ደለየ ኸዓ፥ ሒዝና ኸም ሕግና ኽንፈርዶ ደለና። 7ግና ሉስዮስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መፂኡ፥ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና መንዚዑ ወሰዶ። 8ነቶም ከሰስቱ ድማ፥ ናባኻ ኽመፁ ኣዘዞም። ብዛዕባ እዝ ንሕና እንኸሶ ዘለና ዅሉ ኸዓ፥ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።” 9ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።
ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፊልክስ መልሲ ኸም ዝሃበ
10እቲ ሹም ክዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸዓ፥ ጳውሎስ ከምዙይ እናበለ መለሰ፦
“ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ #24፡10 ፈራዲ ምዃንካ፦ ግእዝ “ጠባዮም ከም እትፈልጥ” ይብል። እፈልጥ እየሞ፥ ነገረይ ብታሕጓስ እነግረካ ኣለኹ። 11ክሰግድ ኢለ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፥ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። 12ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደኳ ኽዛረብ፥ ወይ ህዝቢ ኣኪበ ኽህውኽ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን። 13ሕዚ እውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኽረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። 14#ሉቃ. 24፡44፥ ግ.ሓ. 26፡22። ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ። 15#ግ.ሓ. 23፡6፥ ዳን. 12፡2። ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ። 16#ግ.ሓ. 23፡1። ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።
17 # ግ.ሓ. 11፡29-30፥ ሮሜ 15፡25። “ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከዓ፥ ናብ ህዝበይ ምፅዋት ከብፅሕን፥ መስዋእቲ ኸቕርብን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ። 18እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከምቲ ስርዓት ዝእዝዞ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ርእሰይ ከንፅህ እንተለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር፥ ዝኣከብክዎ ወይ ንህውከት ዘለዓዓልክዎ ህዝቢ ኣይነበረን፤ 19ገሊኣቶም ካብ እስያ ዝመፁ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣባይ ነገር እንተ ደኣ ሃልይዎም፥ ኣብ ቅድሜኻ መፂኦም፥ ክኸሱኒ እዩ ዝግባእ። 20ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ፥ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም፥ እዚኣቶም ይንገሩ። #24፡20 ኣብ ግእዝ “ኣነ ኽገፍዖ ዝረአዩኒ ኣብ ፍርዲውን ዘቕረቡኒ” ዝብል ይርከብ። 21#ግ.ሓ. 23፡6። ብዘይ እታ ኣብ ማእኸሎም ቆይመ፥ ዓው ኢለ ‘ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን፥ ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ’ ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።”
22ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቑ #24፡22 ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቑ፦ ግእዝ “ፊልክስ ካብ ቅድሙ ኣይሁድ ምስ ሕግን ትምህርትን ሕዝበ ክርስቲያን ከም ዝቃረኑ” ይብል። ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ “እቲ ሓለቓ ሽሕ ሉስዮስ ምስ ወረደ፥ ሽዑ ነገርኩም ኣፀቢቐ ኽምርምሮ እየ” ኢሉ ኽፀንሕ ገበሮ። 23ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።
ጳውሎስ ኣብ ቕድሚ ፊልክስን ድሩሲላን
24ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ፥ ፊልክስ ምስታ ድሩሲላ ዝተብሃለት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መፂኡ፥ ንጳውሎስ ልኢኹ ፀውዖ እሞ፥ ብዛዕባ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን፥ ካብኡ ሰምዑ። 25#ግ.ሓ. 10፡42። ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ። 26ምስዙይ ድማ ኻብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምፅአ ይዛረቦ ነበረ።
27ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入