1ይ ቆሮንቶስ 12:8-10
1ይ ቆሮንቶስ 12:8-10 ትመ15
ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ። ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ። ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።