1
ሮሜ 12:2
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዝ ዓለም እዙይ ኣይትምሰሉ።
對照
探尋 ሮሜ 12:2
2
ሮሜ 12:1
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
探尋 ሮሜ 12:1
3
ሮሜ 12:12
ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሱ፤ ብፀሎት ፅንዑ።
探尋 ሮሜ 12:12
4
ሮሜ 12:21
ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር፥ ብኽፉእ ኣይትሰዓር።
探尋 ሮሜ 12:21
5
ሮሜ 12:10
ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።
探尋 ሮሜ 12:10
6
ሮሜ 12:9
ግብዝና ዘይብሉ ፍቕሪ ይሃልኹም። ንኽፍኣት ተፀየፍዎ፤ ንሰናይ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
探尋 ሮሜ 12:9
7
ሮሜ 12:18
ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ።
探尋 ሮሜ 12:18
8
ሮሜ 12:19
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
探尋 ሮሜ 12:19
9
ሮሜ 12:11
ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝተቓፀልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፤
探尋 ሮሜ 12:11
10
ሮሜ 12:3
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
探尋 ሮሜ 12:3
11
ሮሜ 12:17
ነቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር፥ ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።
探尋 ሮሜ 12:17
12
ሮሜ 12:16
ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።
探尋 ሮሜ 12:16
13
ሮሜ 12:20
ግና “ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።”
探尋 ሮሜ 12:20
14
ሮሜ 12:14-15
ንዘሳጕጉኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ። ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
探尋 ሮሜ 12:14-15
15
ሮሜ 12:13
ብዘድልዮም ንቅዱሳን ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
探尋 ሮሜ 12:13
16
ሮሜ 12:4-5
ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘለና፥ እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ፥ ከምኡውን ንሕና ብዙሓት እንትንከውን፥ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ድማ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።
探尋 ሮሜ 12:4-5
首頁
聖經
計畫
視訊