እንባቆም መእተዊ

መእተዊ
ትንቢት ነቢይ እንባቆም፥ ባቢሎናውያን ነጊሶም ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን፥ ኣብ መወዳእታ ናይ ሻውዓይ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ተሰምዐ።
እንባቆም በዞም ጨካናት ህዝቢ እዚኣቶም ዝፍፀም ብዝነበረ ግፍዒ፥ ኬርና ስለ ዝተናደደ፥ ንእግዚኣብሄር “ኣዒንትኻ ኽፉእ ንምርኣይ የመና ፅሩያት እየን። በደል ንዝገብሩ ሰባት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም ጠለምቲኸ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ ክዕምፆ እንተሎ ስቕ እትብል?” ኢሉ ጠየቐ (1፡13)።
እግዚኣብሄር ከዓ “በቲ ምችዊ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ‘ፃድቕ ግና ብእምነት ይነብር’ ” ኢሉ መለሰሉ (2፡4)።
እቲ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ መፅሓፍ ብዛዕባ ንኽፉኣት ሰባት ክበፅሖም ዘለዎ ናይ ውድቀት ትንቢት ዝሓዘ እዩ። ኣብ መወዳእታ፥ ንልዕልና እግዚኣብሄር ብዘሞግስን፥ ነታ ዘይትመውት እምነቱ ብዝገልፅን ግጥሚ ይዛዝም።
ትሕዝቶ
1. ጥርዓን እንባቆምን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን 1፡1-2፡4
2. ጥፍኣት ክፉኣት ሰባት 2፡5-20
3. ፀሎት እንባቆም 3፡1-19

醒目顯示

分享

複製

None

想在你所有裝置上儲存你的醒目顯示?註冊帳戶或登入