ኣብድዩ መእተዊ

መእተዊ
እዛ ሓፃር መፅሓፍ እዚኣ ብ586 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ፥ ድሕሪ ምውዳቕ ኢየሩሳሌም፥ ጊዜኡ ኣብ ዘይተፈልጠ እዋን ዝተረኽበት እያ። በቲ ጊዜ እቱይ እታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እትርከብ ኤዶምያስ፥ ፀላኢት ይሁዳ፥ ብምውዳቕ ኢየሩሳሌም ተሓጐሰት፤ እታ ኸተማ ኽትውረርን ክትዝመትን ድማ ሓገዘት። ኤዶምያስን ካልኦት ፀላእቲ እስራኤል ዝኾና ሃገራትን ከም ዝቕፅዓን ከም ዝሰዓራን ኣብድዩ ተነበየ።
ትሕዝቶ
1. ትዕቢት ኤዶምያስን ቅፅዓትን 1-9
2. ናይ ኤዶምያስ ጭካነ 10-14
3. ናይ እስራኤል ዓወት 15-21

高亮显示

分享

复制

None

想要在所有设备上保存你的高亮显示吗? 注册或登录