ሚልክያስ መእተዊ

መእተዊ
ትንቢት ሚልክያስ፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ምስ ተሃንፀ፥ ድሕሪ ሓምሻይ ዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዩ። እቲ ነቢይ፥ ካህናትን ህዝብን፥ ኣብቲ ምስ እግዚኣብሄር ኣትዮምዎ ዝነበሩ ቓል ኪዳን ዝነበሮም እምነት ከሐድሱ፥ ኣትሪሩ ይዛረብ። እቶም ህዝቢ፥ ህይወቶም ስዲ፥ ስርዓት ኣምልኾኦም ብላሽ ከም ዝነበረውን ይገልፅ። ቀፂሉ ኸዓ ኻህናትን ህዝብን፥ ንእግዚኣብሄር እቲ ግቡእ መባእ ብዘይምሃቦም ከም ዝሰረቕዎ፥ ነቲ ዝሃቦም ትእዛዝ ብምጥሓስ ድማ፥ እቲ ዝግብኦ ኽብሪ ኸም ዝነፈግዎ ይገልፅ። ከምኡውን እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶምን ከፅርዮምን ከም ዝመፅእ፥ መንገዲ ዝፀርግ፥ ቃል ኪዳኑ ዝእውጅ ልኡኹ ኸዓ፥ ቀቅድሜኡ ኸም ዝሰድድ የጠንቅቕ።
ትሕዝቶ
1. ሓጢኣት እስራኤል 1፡1-2፡16
2. ፍርዲ እግዚኣብሄርን ምሕረቱን 2፡17-4፡6

高亮显示

分享

复制

None

想要在所有设备上保存你的高亮显示吗? 注册或登录