ዮናስ መእተዊ

መእተዊ
ትንቢተ ዮናስ፥ ብዛዕባ ሓደ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣይፍፅምን ዝበለ ነቢይ ዝነግር ታሪኽን፥ ብዛዕባ ዘጋጠሞ መከራን ዝገልፅ መፅሓፍ ስለ ዝኾነ፥ ካብተን ካልኦት መፃሕፍቲ ትንቢት ፍልይ ዝበለ መልክዕ ዘለዎ እዩ። እግዚኣብሄር ንዮናስ ናብታ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ዝኾነት ነነዌ ክኸይድ ኣዘዞ። መንግስቲ ኣሶር ኣውራ ፀላኢት እስራኤል እያ ዝነበረት። ዮናስ ግና፥ “እግዚኣብሄር ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ንነነዌ ኣየጥፍኣን እዩ” ኢሉ ስለ ዝኣመነ፥ ቃል እግዚኣብሄር ሒዙ ናብታ ኸተማ ክኸይድ ኣይፈተወን። እንተ ኾነ ድሕሪ ብዙሕ ተኣምራት፥ ደስ እንተይበሎ ትእዛዝ ክፍፅም ከደ። እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት ከተማ ነነዌ ዝተዛረቦ ትንቢት ከም ዘይተፈፀመ ምስ ረአየ ድማ ተቘጥዐ።
እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ምሉእ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ትንቢት ዮናስ ኣብሪሁ ይገልፅ። ልዕሊ ዅሉ ግና፥ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ፍቕርን ምሕረትን ከም ዝኾነ፥ ንፀላእቲ ህዝቡ ኸዓ ኻብ ምጥፋኦምስ ምምሓሮምን ምድሓኖምን ከም ዝፈቱ ይገልፀልና።
ትሕዝቶ
1. ዮናስ ተፀዊዑ ኸም ዝኣበየ 1፡1-16
2. ዮናስ ተነሲሑ ኸም ዝደሓነ 2፡1-11
3. ዮናስ ናብ ነነዌ ዘብፅሖ ስምዕታ 3፡1-10
4. ምሕረት እግዚኣብሄር ንነነዌ 4፡1-11

高亮显示

分享

复制

None

想要在所有设备上保存你的高亮显示吗? 注册或登录