ዘፍጥረት 49:8-9

ዘፍጥረት 49:8-9 ትመ15

“ይሁዳ፥ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፤ ኢድካ ኣብ ክሳድ ፀላእትኻ ኽትከውን እያ፤ ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም። ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?