1
ግብሪ ሃዋርያት 1:8
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም።
Thelekisa
Phonononga ግብሪ ሃዋርያት 1:8
2
ግብሪ ሃዋርያት 1:7
ኢየሱስ ከዓ “ነቲ ኣብ፥ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ፥ ኣይተውሃበኩምን።
Phonononga ግብሪ ሃዋርያት 1:7
3
ግብሪ ሃዋርያት 1:4-5
ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ። ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ኣዘዞም።
Phonononga ግብሪ ሃዋርያት 1:4-5
4
ግብሪ ሃዋርያት 1:3
ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም።
Phonononga ግብሪ ሃዋርያት 1:3
5
ግብሪ ሃዋርያት 1:9
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
Phonononga ግብሪ ሃዋርያት 1:9
6
ግብሪ ሃዋርያት 1:10-11
ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
Phonononga ግብሪ ሃዋርያት 1:10-11
Ekuqaleni
IBhayibhile
Izicwangciso
Iividiyo