1
ዘፍጥረት 12:2-3
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ። ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
Karşılaştır
ዘፍጥረት 12:2-3 keşfedin
2
ዘፍጥረት 12:1
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ከምዙይ በሎ፦ “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸዓ ኺድ።
ዘፍጥረት 12:1 keşfedin
3
ዘፍጥረት 12:4
ኣብራም ከዓ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸደ፤ ሎጥውን ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ክወፅእ እንተሎ፥ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።
ዘፍጥረት 12:4 keşfedin
4
ዘፍጥረት 12:7
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ።
ዘፍጥረት 12:7 keşfedin
Ana Sayfa
Kutsal Kitap
Okuma Planları
Videolar