Mufananidzo weYouVersion
Mucherechedzo Wekutsvaka

ሶፎንያስ መእተዊ

መእተዊ
ነቢይ ሶፎንያስ፥ ኣብ መወዳእታ ናይ ሻውዓይ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ይሰብኽ ነበረ። ንጉስ ኢዮስያስ ብ621 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ መንፈሳዊ ምሕዳስ ገይሩ ነበረ። ሶፎንያስ ከዓ ቕድሚኡ፥ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፥ ብትንቢት የገልግል ከም ዝነበረ ይግመት።
እቲ መፅሓፍ “ህዝቢ ይሁዳ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹ ኽቕፅዑ እዮም፤ መዓልቲ ጥፍኣትን ዕንወትን ከርክቦም እዩ። እግዚኣብሄር ንኻልኦት ሃገራት እውን ክቐፅዖም እዩ። ኢየሩሳሌም ግና እንተ ጠፍአት እኳ፥ ከም ብሓድሽ ክትሕደስ እያ። ትሕትናን ቅንዕናን ዝመልኦም ሰባት ድማ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም” ዝብል ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ።
ትሕዝቶ
1. መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር 1፡1-2፡3
2. ጥፍኣት ጐረባብቲ እስራኤል 2፡4-15
3. ሓጢኣት ኢየሩሳሌምን ምድሓናን 3፡1-20

Sarudza vhesi

Pakurirana nevamwe

Sarudza zvinyorwa izvi

None

Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda