1
ፊልጵስዩስ 3:13-14
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ናተይ ከም ዝገበርክዎ ገይረ፥ ንርእሰይ ኣይግምትን እየ፤ ሓደ ዝገብሮ ነገር ኣሎ፦ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኹ፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር ኣለኹ፤ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ፊልጵስዩስ 3:10-11
ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ፥ ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።
3
ፊልጵስዩስ 3:8
እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።
4
ፊልጵስዩስ 3:7
እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo