1
ዘፍጥረት 22:14
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ዘፍጥረት 22:2
እግዚኣብሄር ድማ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ ሞሪያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ እምባታት ኣብ ሓደ፥ መስዋእቲ ጌርካ ሰውአለይ” በሎ።
3
ዘፍጥረት 22:12
ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ።
4
ዘፍጥረት 22:8
ኣብርሃም ከዓ “ወደይ፥ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ፤ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።
5
ዘፍጥረት 22:17-18
ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም። ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
6
ዘፍጥረት 22:1
ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ።
7
ዘፍጥረት 22:11
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ።
8
ዘፍጥረት 22:15-16
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ኻብ ሰማይ ንኣብርሃም ፀውዖ። “ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥
9
ዘፍጥረት 22:9
ኣብርሃምን ወዱን ድማ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሓበረሉ ቦታ በፅሑ፤ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፤ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፈሉ። ንወዱ ይስሓቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣጋደሞ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo