1
2ይ ተሰሎንቄ 2:3
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
2ይ ተሰሎንቄ 2:13
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
3
2ይ ተሰሎንቄ 2:4
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
4
2ይ ተሰሎንቄ 2:16-17
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።
5
2ይ ተሰሎንቄ 2:11
ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም።
6
2ይ ተሰሎንቄ 2:9-10
ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምፃእ፥ በቲ ዅሉ ሰይጣን ዝሰርሖ፥ ብሓይልን፥ መስሓቲ ምልክትን፥ ዘደንቕ ነገራትን፥ ብምግባር ክኸውን እዩ። ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
7
2ይ ተሰሎንቄ 2:7
እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo