1
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5-6
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2
እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ፀሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብን፥ ምእንቲ ነገስታትን፥ ምእንቲ ሰበ ስልጣንን፥ ክግበር እምዕድ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ብመንፈሳዊነትን፥ ህዱእን፥ ሰላማዊን፥ ዝኾነ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር እዩ።
3
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8-10
ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ። ኣንስትውን፥ ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ብምግያፅ ዘይኮነስ፥ ግቡእን ትሕትና ዘርእን፥ ክዳን ይከደና። ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo