1
1ይ ጢሞቴዎስ 1:15
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፥ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
1ይ ጢሞቴዎስ 1:16
በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።
3
1ይ ጢሞቴዎስ 1:5
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
4
1ይ ጢሞቴዎስ 1:17
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት፥ ዘይረአ፥ በይኑ ኣምላኽ ዝኾነ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
5
1ይ ጢሞቴዎስ 1:9-10
ሕጊ ኸዓ፥ ንፃድቃን ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፤ ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንጠሓስቲ ሕጊ፥ ንዓመፀኛታት፥ ንጕሒላታት፥ ነቶም ቅድስና ዘይብሎም፥ ንሓጥኣን፥ ንርኹሳት፥ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቑ፥ ነቶም ኣቦኦምን እኖኦምን ዝቐትሉ፥ ንቐተልቲ ነፍሲ፥ ንዘመውቲ፥ ግብረ ሰዶም ንዝገብሩ፥ ነቶም ሰብ ዝሸጡ ነጋዶ፥ ንሓሰውቲ፥ ነቶም ብሓሰት ዝምሕሉ፥ ነቶም ንቕኑዕ ትምህርቲ ዝፃረር ዝገብሩ ዅሎም እዩ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo