Logótipo YouVersion
Ícone de pesquisa

ዘካርያስ መእተዊ

መእተዊ
ትንቢተ ዘካርያስ፥ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ዝተመደበ መፅሓፍ እዩ፦
1. ካብ ምዕራፍ 1-8 ዘሎ፥ ካብ ሓሙሽተ ሚእትን ዕስራን፥ ክሳዕ ሓሙሽተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ፥ ነቢይ ዘካርያስ በብእዋኑ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ትንቢት ዝሓዘ ኽፍሊ እዩ። እቲ ናይ ትንቢት ቃል ብመልክዕ ራእይ ዝቐረበ ኾይኑ፥ ብዛዕባ ምሕዳስ ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ምህናፅ፥ ብዛዕባ ምንፃህ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ መሲሓዊ ዘመን ይገልፅ። ኣብዝ ክፍሊ እዙይ ድማ ሸሞንተ ነንበይኖም ዓይነት ራእያት ኣለዉ።
2. ኻብ ምዕራፍ 9-14 ከዓ፥ ብዛዕባ እቲ ኽመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ መሲሕን፥ ብዛዕባ መወዳእታ ፍርድን ዝገልፅ ክፍሊ እዩ።
ትሕዝቶ
1. ስምዕታን ተስፋን ዝሓዘለ መልእኽቲ 1፡1-8፡23
2. ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ እስራኤል 9፡1-8
3. መፃኢ ምዕባለን ሰላምን 9፡9-14፡21

Destaque

Partilhar

Copiar

None

Quer salvar os seus destaques em todos os seus dispositivos? Faça o seu registo ou inicie sessão