Logótipo YouVersion
Ícone de pesquisa

ሉቃስ 5:12-13

ሉቃስ 5:12-13 ትመ15

ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምፂ ዝሓዞ ሰብ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ።