ዮናስ 2

2
ፀሎት ዮናስ
1ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ።
2ከምዙይውን በለ፦
“ብጊዜ መከራይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣእዌኹ፤
ንሱውን ሰምዐኒ።
ኣብ ከርሲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፤
ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ።
3ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፥
ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ፤
ወሓይዝ ከበቡኒ፤
ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ።
4ኣነ ኸዓ፥ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤
ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ።
5ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበቡኒ፤
መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፤
ሳዕሪ ባሕሪ እውን ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ።
6ናብ መሰረት እምባታት ወረድኩ፤
ኣብ ምድርን ኣብ መወርወሪታታን ንዘለኣለም ተዓፆኹ፤
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥
ንስኻ ግና ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውፃእኻያ።
7ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ዘሓለት፥
ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤
ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ።
8እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ።
9ኣነ ግና ብምስጋና ቓል፥
መስዋእቲ ኽስውአልካ እየ፤
ነቲ ዝተመባፃዕኽዎ ኸዓ ኽህብ እየ፤
ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”
10ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤
ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ።

Áherslumerki

Deildu

Afrita

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in